ስለምንታይ ኢዮም ግን ንሕማቅኪ ዝህቅኑ
ስለምንታይ ንጥፍኣትኪ ዝምነዪ
ስለምንታይ ኢዮም’ከ ልእላውነትኪ ዘየኽብሩ
ስለምንታይ በኣኺ ከይደቀሱ ዝሓድሩ
ወረ ስለምንታይ ኢዮም ንሕማምኪ ዝጽልዩ
ስለምንታይ ኣደዳ ሞትናን ስቅያትናን ዘደስቶም
ኢለ ንነብሰይ ብተደጋጋሚ ሓቲተ መልሲ ምስ ሰኣንኩ
ንኤርትራ ክውከሳ ተገደድኩ
ንሳ ግን ጉሂያ ክትጸንሕኒ እናተጸበኽዋ
ብፍስሃ ወኻዕካዕ ክትብል ኢየ ዝረኸብክዋ
ብስመይ ይብለኪ ኣለኹ ሓደራኺ
ንዓይ ብዝያዳ ክፈልጡኒ
ሓብርለይ ኢኺ ንኣሕዋትኪ በለትኒ
ኣእዳዋ ናብ ኣእዳወይ ብምዝርጋሕ ድማንክንፋቐር ተላባወትኒ!!!
ሽዑ ድማ ኢየ ዘስተውዓልኩላ
ለካስ ብመሪር ትነብዕ ኢያ ኔራ
ምፍልላይና ኣስደሚምዋ!